Skip navigation

Share with social media sites email this page print this page

ዚበለጸ ሞያዊ ክእለት። ዚበለጸ ስራሕ። ዚበለጸ መነባብሮ።

students holding sign that reads Education

ኣብ ዋሽንግተን ዝርከባ 34 ኮሌጃት ኮምን ተክኒክን፡ ንዓበይቲ ተማሃሮ ዚኸውን ብዙሕ ኣማራጺታት ይህባ እየን። ተማሃሮ ንስራሕን ሞያን ንኽስልጥኑ፣ ቛንቋ እንግሊዝኛ ንኽምሃሩን ንዲግሪ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርስቲ ንኽዳለዉን ይሕግዛኦም።.

ንማሕበረ-ኮማት ከባቢ ዜድሊ ትምህርቲ ምቕራብ

  • ንዓበይቲ ዚኸውን መሰረታዊ ትምህርቲ ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ፊደላትን ቍጽርን
  • GED ከምኡውን ዲፕሎማታት ካልኣይ ደረጃ
  • ንስራሕ ዚኸውን ስልጠናን ሞያዊ ክእለትን
  • ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ዚሓለወ ዓይነት ትምህርቲ ንኽትምሃሩ ከምእትዳለዉ ምግባር

ብዛዕባ ኮሌጃት ኮምን ተክኒክን ዚምልከት ሓቅታት

  • ን60 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሓንቲ ዞባ ኣብ ዚውሃብ መንግስታዊ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽምሃሩ ዝተመዝገቡ ኵሎም ተማሃሮ ይምህራ። እዚ ድማ ኣብ ነፍሰወከፍ ዓመት ኣብ ዋሽንግተን ዚምሃሩ ተማሃሮ ኣስታት 500,000 ይበጽሕ።
  • ነፍስወከፍ ዓመት፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ወዲኦም ካብ ዝወጹ ተማሃሮ ን37% ይምዝግባ።
  • ኣስታት 40% ናይቶም ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ፡ ትምህርቶም ኣብ ሓንቲ ካብተን ኮሌጃት ኮም ክምሃሩ ዝጀመሩ እዮም።

እንግሊዘኛን ካልእ ትምህርትን ምምሃር

ሓድሽ ሞያዊ ክእለት፣ ቛንቋ እንግሊዝኛ ንኽትመሃሩ ትደልዩ ይኹን፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንኽትሰጋገሩ ምድላው ንኽትገብሩ እትደልዩ ይኹን፡ እታ ኣብ ከባቢኹም ዘላ ኮሌጅ ንዓኹም ዚኸውን ፕሮግራም ኣለዋ።

ብዛዕባ ትምህርቲ እንግሊዝኛ ከም ካልኣይ ቛንቋ (ESL) ዚምልከት ሓበሬታ ንምርካብ፡ ነታ ኣብ ከባቢኹም እትርከብ ኮሌጅ ወይ ኮም ዝሰረቱ ውድብ (CBO) ሕተቱ።

ትምህርቲ እንግሊዝኛ ከም ካልኣይ ቛንቋ ንኽትመሃሩ ድማ ሓገዝ ኽህባኩም ይኽእላ እየን። መሰረታዊ ትምህርቲ (ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ፊደላትን ቍጽርን)፣ ዲፕሎማ ካልኣይ ደረጃ፣ ምድላውን ፈተናን GED፣ መሰረታዊ ትምህርቲ ኮምፕዩተር፣ ትምህርቲ ዜግነትን ካልእን ንኽትረኽቡ ድማ ኽሕግዛኹም ይኽእላ እየን።

Translate our site: