Skip navigation

Share with social media sites email this page print this page

ዝያዳ ፍለጡ፣ ዝያዳ ኣታዊ ድማ ርኸቡ

student with her books

ዚበለጸ ሞያዊ ክእለትን ዝያዳ ትምህርትን፡ ኣብ ሞያኹምን ህይወትኩምን ዕዉታት ንኽትኮኑ ኪሕግዘኩም ይኽእል። ኣብቲ ዘለኹምዎ ኣብ እትርከብ ኮሌጅ ኮም ወይ ተክኒክ ብምምሃር ዚበለጸ መጻኢ ኽትሃንጹ ጀምሩ።

ጐደናታት ሞያን ትምህርትን

ናብ ሞያ ወይ ትምህርቲ ዚወስድ ጐደና ሒዝካ ምኻድ፡ ዝያዳ ትምህርቲ ብምርካብ ናብ ዚበለጸ ስራሕ ኽትሰጋገሩ ትኽእሉ ማለት እዩ። ኣብዚ ጐደና’ዚ እትወስድዎ ነፍስወከፍ ስጕምቲ፡ ናብ ዚቕጽል ደረጃ ስራሕን ኽፍሊትን (ደሞዝን) ንኽትሰጋገሩ ይሕግዝ።

ልዑል ደረጃታት ትምህርቲ ንኽትረኽቡ ድማ ዝተዳለኹም ኽትኮኑ ትኽእሉ።

ንኣብነት፥ ነርስ ኽትኮኑ እንተደሊኹም፡ ፈለማ ምስክር ወረቐት ‘ዝተመስከረሉ ተሓጋጋዚ ነርስ’ (CNA (Certified Nursing Assistant)) ኽትረኽቡ ኽትክእሉ ኣለኩም። ቕሩብ ግዜ ምስ ሰራሕኩም፡ መሊስኩም ናብ ትምህርቲ ተመሊስኩም፡ ዲግሪ ‘ዝተፈቕደሉ ነርስ’ (LPN (Licensed Practical Nurse)) ኽትረኽቡ ትኽእሉ። ድሕሪ’ዚ ድማ ዲግሪ ‘ሕጋዊ ነርስ’ (RN (Registered Nurse)) ኽትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ መንጐ’ዚ ድማ ናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ዘለዎ ዲግሪ ነርስ ኽትረኽቡ ትደልዩ እንተዄንኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

መነባብሮኻ ንምምሕያሽ ዚውሰድ ትምህርቲ

ቁጠባን ዓለምለኻዊ ቦታ ስራሕን ብቕልጡፍ ይቐያየር እዩ። ምስቲ ዚህሉ ለውጥታት ንኽኸዱ፡ እዞም ናይዚ ግዜ’ዚ ሰራሕተኛታት፡ ንምሉእ ናይ ስራሕ ግዜኦም ዚኸውን ሓድሽ ሞያዊ ክእለት ኽምሃሩ ይግባእ። እዚ ድማ ገለ ትምህርቲ ኮምፕዩተር ምውሳድ ወይ ድማ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ምርካብ ኪከውን ይኽእል እዩ።

እኳ ድኣ እቶም ኣብ ኮሌጃት ኮምን ተክኒኪንን ዚምሃሩ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግርታት ድሮ ዝረኸቡ እዮም። ተማሃሮ’ዚኦም፡ ሓድሽ ሞያዊ ክእለት ንኸጥርዩ ድማ ኣብ ኮሌጃት ኮም ተመሊሶም ብምምጻእ ይስልጥኑ እዮም።

ዝያዳ ትምህርቲ ብምርካብ፡ ኽትረኽብዎ እትኽእሉ ተወሳኺ ኣታዊ ክንደይ እዩ

ደረጃ ትምህርቲ ገምጋም ዓመታዊ ኽፍሊት
ምንጪ፥ U.S. Census Bureau, Educational Attainment in the United States: 2006, ሰሌዳ 8: Year Round Full-Time Workers. http://www.census.gov/population/www/socdemo/education/cps2006.html
ትሕቲ ዲፕሎማ ካልኣይ ደረጃ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ $ 22,326
ዲፕሎማ ካልኣይ ደረጃ ወይ GED $ 31,209
ኣሶሼይት ወይ ሞያዊ ዲግሪ/ሰርቲፊኬት $ 40,708
ቀዳማይ ባችለር ዲግሪ $ 51,436
ካልኣይ (ማስተርስ) ዲግሪ $ 64,540
ዲግሪ ፍሉይ ክእለት ዘድልዮ ሞያ (ፕሮፈሽናል) $ 100,000
ዶክትረይት ዲግሪ $ 85,774
Translate our site: